en-NL
ጥዕናዊ ሓዳር

ጥዕናዊ ሓዳር

ሕግታት ሓዳር፦ ካብ ፍርሒ ናብ ተስፋ፣ ካብ ቃንዛ ናብ ዘለኣለማዊ ፈውሲ
Atakilti Semere
Atakilti Semere
Language: Afrikaans - 54 pages
Paperback
£12.85
£12.85

Synopsis

ጥዕናዊ ሓዳር፦ ሕግታት ሓዳር፦ ካብ ፍርሒ ናብ ተስፋ፣ ካብ ቃንዛ ናብ ዘለኣለማዊ ፈውሲ ሓዳር ልክዕ ከም ሓደ ህያው ተኽሊ እዩ። ጽባቐኡን ልምላሜኡን ኣብታ ኣብ ውሽጢ መሬት ተቐቢራ ዘላ "ዘይትርአ ሱር" እዩ ዝምርኮስ። እታ ሱር ጥዕይቲ እንተኾይና፣ እታ ተኽሊ ዝኾነ ማዕበልን ደርቅን ኣየውድቓን። ደራሲ ነርስ ኣታኽልቲ ሰመረ፣ ነቲ ኣብ ሞያ ሕክምና ዘጥረዮ ናይ ክንክን ጥዕናን ፈውሲን ዓሚቕ ልምዲ ምስቲ መዓልታዊ ዘጋጥሙ ናይ ስነ-ልቦናን ማሕበራዊ ናብራን ብድሆታት ብምውህሃድ፣ ነዛ መጽሓፍ እዚ'ኣ ንኣንባብቲ የቐርብ። እቲ ዝዓበየ ትሕዝቶ መጽሓፍ፦ 8 ዓበይቲ ምዕራፋት፦ ካብቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ዘሎ ስነ-ልቦናዊ ሱር ጀሚሩ ክሳብ እቲ ንመጻኢ ወለዶ ዝተርፍ ኣሰር ዝትንትን። 80 ወርቃውያን ሕግታት፦ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ሓዳር ከጋጥሙ ንዝኽእሉ ጸገማት (ቁጠባ፣ ቴክኖሎጂ፣ ርክብ፣ ስነ-ጾታ) ሓጺርን ንጹርን ፍታሕ ዝህቡ። ቅዋም ንጥዕናዊ ሓዳር፦ ንኽልቲኦም መጻምድቲ ብሓባራዊ ቃል-ኪዳን ዝኣስር ናይ ህይወት ቅዋም። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንሓዳሮም ክሃንጹ ንዝደልዩ ሓደስቲ መጻምድቲ፣ ከምኡ’ውን ንዝተበላሸወ ርክቦም ከሕውዩ ንዝደልዩ ብሉጽ መምርሒ እያ።

About Atakilti Semere

Atakilti Semere
‚,ፍልጠት ጥዕና እዩ፣ ዘይ‘ምፍላጥ ግና ጸገም ናይ ጥዕና እዩ።‘‘ ኣታኽልቲ ሰመረ

Product specifications

BindingPaperback
LanguageAfrikaans
Publishing dateSunday, 25 October 2026
Edition1
Pagecount54
Interior colorBlack/white
Size135 x 215 mm
AuthorAtakilti Semere
CategoryHealth > Popular psychology